ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ገይረ እየ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንርእሰይ ክከላኸል ዝኽእል፧

ከመይ ገይረ እየ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንርእሰይ ክከላኸል ዝኽእል፧

ምዕራፍ 14

ከመይ ገይረ እየ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንርእሰይ ክከላኸል ዝኽእል፧

ነዚ ዚስዕብ ቅኑዕ ወይ ጌጋ በል፦

1. ምድንዳን ምስ ኣካላዊ መጕዳእቲ ጥራይ እተተሓሓዘ እዩ።

□ ቅኑዕ

□ ጌጋ

2. ብጾታዊ ምሽጋር ወትሩ ኣካላዊ ምትንኻፍ የጠቓልል።

□ ቅኑዕ

□ ጌጋ

3. ኣዋልድ እውን ኪድንድናን ኬሸግራን ይኽእላ እየን።

□ ቅኑዕ

□ ጌጋ

4. ሰባት ይድንድኑኻ ወይ ብጾታዊ የሸግሩኻ እንተ ኣልዮም፡ ዋላ ሓንቲ ኽትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ።

□ ቅኑዕ

□ ጌጋ

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚድንደኑ መንእሰያት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብራዕዲ ይወሓጡ እዮም። ራያን ዚበሃል መንእሰይ፡ “ኣብተን ብኣውቶቡስ ዝኸደለን 15 ደቓይቕ፡ ኣሳቐይተይ ካብ ኣፍኣዊ መጥቃዕቲ ሓሊፎም ኣካላዊ ግፍዒ ስለ ዘውርዱለይ፡ ስቓየይ ንሰዓታት ዝቐጸለ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለ። ካልኦት መንእሰያት ከኣ ኣደዳ ጾታዊ ምሽጋር ይዀኑ እዮም። ኣኒታ እትበሃል ጐርዞ፡ “ሓደ ብሰባት ዚፍቶ ወዲ፡ ኣብ ኮሪደር ከቲሩ ኣብ ዘይግባእ ቦታ ኺተናኽፈኒ ጀመረ። ኣእዳዉ ኺእክብ ብኣኽብሮት እኳ እንተ ሓተትክዎ ኣይሰምዓንን። ናይ ብልበይ ኣይመሰሎን” በለት።

ገሊኦም መንእሰያት እሞ ኸኣ ኣብ ኢንተርነት ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ደቂ ኽፍሎም በቲ መስመር እቲ ኣቢሎም ይሃድንዎም እዮም። ንዓኻኸ ሰባት የጋፍዑኻ ድዮም፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ብዛዕባ እቲ ሽግርካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ብዙሕ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ። ፈለማ ግን፡ ነቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ ዘሎ ሓሳባት እናመርመርና፡ ንሓቂ ኻብ ሓሶት ንፍለዮ።

1. ጌጋ። መብዛሕትኦም ደንደንቲ ቕልጽሞም ዘይኰነስ፡ መልሓሶም እዮም ዚጥቀሙ። ምጕብዕባዕ፡ ጸርፊ፡ ባጫ፡ ላግጺ ዓይነት ምድንዳን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

2. ጌጋ። ጾታዊ መልእኽቲ ዘለዎ “ናእዳ፡” ጽዩፍ ዋዛ፡ ወይ ብዓይኒ ፍቕሪ ምጥማት እውን ከይተረፈ ብጾታዊ ምሽጋር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

3. ቅኑዕ። እቶም ዚድንድኑን ዜሸግሩን ካብ ክልቲኡ ጾታ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

4. ጌጋ። ነቲ ግፍዒ ደው ንምባል ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ። ከመይ ጌርካ ኸምኡ ኸም እትገብር ንርአ።

ከመይ ጌርካ ንደንዳኒ ብዘይ ቅልጽም ከም እተሰንፎ

ገሊኦም ደንደንቲ እንታይ ከም እትገብር ንኺርእዩ ጥራይ ኢሎም እዮም ኬሕርቑኻ ዚፍትኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ “ብመንፈስካ ንዅራ ኣይትተሀወኽ” ዚብል ጥበባዊ ምኽሪ ይህብ እዩ። (መክብብ 7:9) ‘ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ምፍዳይ፡’ ንሓዊ ነዳዲ ኺውስኸሉን ናብ ዝያዳ ጸገማት ኪመርሓካን ይኽእል እዩ። (ሮሜ 12:17) ከመይ ጌርካ ደኣ ኢኻ እሞ ንደንዳኒ ብዘይ ቅልጽም ከተሰንፎ እትኽእል፧

ነቲ ነገር ኣፍኲስካ ርኣዮ። ሓደ ሰብ ንኺስሕቕ ኢሉ እንተ ኣላጊጹልካ፡ ኣብ ክንዲ እትቕየም፡ ስሒቕካ ሕለፎ። ኤሊኡ ዝስሙ ወዲ፡ “ሓድሓደ ግዜ ነቲ ዜቘጥዕ ዘረባ ኣኽቢድካ ብዘይምርኣይ ክትሓልፎ ትኽእል ኢኻ” በለ። ሓደ ደንዳኒ ዘረባኡ ኸም ዘይስምዓካ ምስ ረኣየ፡ መጥቃዕቱ ደው ኬብል ይኽእል እዩ።

ልኡም ኩን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ” ይብል። (ምሳሌ 15:1) ደንዳኒ ሰብ ልኡም ምላሽ ኪወሃቦ ስለ ዘይጽበ፡ ከምዚ ዓይነት ምላሽ ነቲ ሰፊኑ ዝነበረ ውጥረት በኒኑ ኸም ዚጠፍእ ኪገብር ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ፡ ኣደዳ መጥቃዕቲ ኽትከውን ከለኻ ህድእ ንምባል ርእስኻ ኽትገትእ ይሓተካ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ከምኡ ምግባር ኵሉ ሳዕ እቲ ዝሓሸ መገዲ እዩ። ምሳሌ 29:11፡ “ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን” ትብል። ልእመት ምልክት ብርታዐ እያ። ልኡም ሰብ ብቐሊሉ ሚዛኑ ኣይስሕትን እዩ፡ ደንዳኒ ግን ውሕስነት ኣይስምዖን፡ ይበሳጮ፡ ወይ እውን ዚገብሮ ይሕርብቶ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ” ዚብል።—ምሳሌ 16:32

ንርእስኻ ተኸላኸል። እቲ ዅነታት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እንተ ዀይኑ፡ እተምልጠሉ መገዲ የድልየካ ይኸውን። ምሳሌ 17:14፡ “ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ” ትብል። ስለዚ፡ እቲ ነገር ናብ ጐነጽ ከም ዜምርሕ እንተ ኣስተውዒልካ፡ ካብቲ ቦታ ርሓቕ ወይ ህደም። ከተምልጥ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ዝገበርካ ጌርካ ንርእስኻ ኽትከላኸል የድልየካ ይኸውን።

ንኻልእ ንገር። ወለድኻ ብዛዕባ እቲ ዚኸውን ዘሎ ነገራት ኪፈልጡ መሰል ኣለዎም። ግብራዊ ምኽሪ እውን ኪህቡኻ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንመምህር ወይ ንኣማኻሪ ንኽትነግር ሓሳብ ኪህቡኻ ይኽእሉ እዮም። ወለድን መምህራንን ነቲ ጕዳይ ንዓኻ ኣብ ተወሳኺ ሽግር ብዘየእቱ መገዲ ብጥበብ ኪሕዝዎ ኸም ዚኽእሉ ኣይትጠራጠር።

ኣብዚ እቲ ቐንዲ ነጥቢ እንታይ እዩ፧ ሓደ ደንዳኒ ኸምቲ ዚደልዮ ዓይነት ምላሽ እንተ ዘይሂብካዮ፡ ኪዕወት ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ከም እትቝጣዕ ኪገብረካ ኣይትፍቀደሉ። ኣብ ክንዳኡስ፡ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት ተጠቒምካ፡ ነቲ ዅነታት ተቘጻጸሮ።

ንጾታዊ ምሽጋር ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ሰባት ብጾታዊ የሸግሩኻ እንተ ኣልዮም፡ ምቝጣዕካ ንቡር እዩ። እንተዀነ ግን፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ብዙሕ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ። ገለ ሓሳባት እንሆ።

ንዚቐርበልካ ጾታዊ ሕቶ ኣትሪርካ ንጸጎ። መሸገርቲ ብፍርቂ ልቢ ‘እምቢ’ ኺበሃሉ ኸለዉ፡ ‘ሕራይ’ ወይ እንተ ወሓደ ‘ምናልባት’ ዚብል መልሲ እተዋህቦም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ስለዚ፡ ነገርካ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ይኹን። (ማቴዎስ 5:37) ካብ ሕንኪ ተላዒልካ እንተ ስሒቕካ ወይ ሕፍረት እንተ ኣርኢኻ፡ ነቲ መሸገሪ ጌጋ መልእኽቲ ኼመሓላልፈሉ ይኽእል እዩ። ጽኑዕን ቀጥታውን መልሲ ሃቦ። ቀንዲ መከላኸሊኻ እዚ እዩ!

ዋዕዋዕ በል። ኣኒታ ብዛዕባ እቲ ዜሸግራ ሰብ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዕሩኹ ዓው ብዝበለ ድምጺ ‘ኸይትትንክየኒ!’ ኢለ ብምጭዳር ኣሕፈርክዎ” በለት። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ኣኒታ ባዕላ፡ “ኵሎም ኣዕሩኹ ብእኡ ሰሓቑ። ንእተወሰነ እዋን ኰርፈፍ ኢሉ ነበረ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ግን ይቕረታ ኽገብረሉ ሓተተኒ፡ ጸኒሑ እሞ ኸኣ ካልእ ሰብ ኬሸግረኒ ምስ ደለየ ተኸላኺሉለይ እዩ” በለት።

ብቓላት እንተ ዘይፈቲሕካዮ፡ ካብቲ ቦታ ርሓቕ። ዋላ እውን ህደም። ከተምልጥ እንተ ዘይክኢልካ ኸኣ፡ ንርእስኻ ንኽትከላኸል መሰል ኣሎካ። (ዘዳግም 22:25-27) ሓንቲ ክርስትያን ጓል፡ “ሓደ ወዲ ኺሕዘኒ ምስ ፈተነ፡ ብዘሎኒ ሓይሊ ወቒዐዮ ሃደምኩ” በለት።

ንኻልእ ንገር። ኣድሪን እትበሃል ጓል 16 ዓመት መንእሰይ፡ “ኣብ መወዳእታ ኸምኡ ኽገብር ነበረኒ። እቲ ጥዑይ ሰብ ኢለ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ወዲ ሞኽ ምስ ኣበለኒ፡ ወለደይ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ምኽሪ ኺህቡኒ ሓተትክዎም። ብዝኣበኽዎ መጠን፡ ጸወታ ግዲ መሲልዎ ዝያዳ ላሕ ኣበለኒ” በለት። ወለዳ ነቲ ጸገማ ንኽትዋጽኣሉ ዚሕግዝ ምኽሪ ሃብዋ። ንዓኻ እውን ወለድኻ ኺሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ሰብ ኪድንድነካ ወይ ብጾታዊ ኼሸግረካ ኸሎ፡ ነዚ ንኽትዋጽኣሉ እትገብሮ ነገራት ቀሊል ጌርካ ዚርአ ኣይኰነን። ወትሩ ግን ሓደ ነገር ኣይትረስዕ፦ ክርስትያን መንእሰያት ስቕ ኢሎም ኪድንደኑ የብሎምን፣ ንዜሸግሮም ሰብ ዕሽሽ ኪብልዎ ወይ ዝደለዮ ኺገብሩሉ እውን የብሎምን። ስለዚ፡ ነቲ እተጠቕሰ ስጕምትታት ብምውሳድ፡ ነዚ ብድሆታት እዚ ኽትሰግሮ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 19 እውን ኣንብብ

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ

ጸቕጢ መዛኑ ሓደ ኻብቲ ኽትጻወሮ ዘሎካ ኣዝዩ ብርቱዕ ሓይሊ እዩ። ከመይ ጌርካ ብምትእምማን ከም እትገጥመሉ ፍለጥ።

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ዚከአል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።ሮሜ 12:18

ምኽሪ

ሓደ ሰብ እንተ ደንዲኑካ፡ ተባዕ ኩን፡ ግን ኣይትዳፈር። ነቲ ደንዳኒ ኺሓድገካ ኣትሪርካ ተዛረቦ። ብህድኣት ካብኡ ርሓቕ። እንተ ዘይሓዲጉካ፡ ንገረሉ።

ትፈልጥዶ፧

ገሊኦም ዓዋሉ ዜዘውትርዎ ሕብሪ ወይ ምልክት ዘለዎ ኽዳውንቲ ምኽዳን ኣደዳ መጥቃዕቲ ይገብረካ እዩ። ሓደ ኣቐዲሙ ዕዋላ ዝነበረ ሰብ፡ “ሓደ ሰብ ከማና እንተ ተኸዲኑ እሞ ሓደ ኻባና እውን እንተ ዘይኰይኑ፡ ዕላማ መጥቃዕቲ ምዃኑ ዘይተርፎ እዩ። ወይ ኪሓብረና፡ ወይ ኪቕጥቀጥ ነይርዎ” በለ።

መደባተይ

ሓደ ሰብ እንተ ጸሪፉኒ ወይ እንተ ኣቘጢዑኒ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ባዕለይ ሽግር ምእንቲ ኸይጽውዕ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ሰባት ምእንቲ ኸይድንድኑኻ፡ ኣብ ኣካላዊ ትርኢትካ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ምትእምማንን ህድኣትን ተንጸባርቕ፧

ብጾታዊ እንተ ኣሸጊሮምኻ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ (ብዛዕባ ልሙድ ፍጻመታትን ብዛዕባ እትህቦ መልስን ሕሰብ።)

ብጾታዊ እንተ ኣሸጊሮምኻ፡ ነቲ ጕዳይ ኣርዚንካ ኽትርእዮ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

[ኣብ ገጽ 123 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ባእሲ ኸም ዚለዓል እንተ ፈሊጥካ፡ ኣብ ዘየእትወካ ኸይኣተኻ ናብ ገዛኻ ኽትከይድ ኣሎካ። ገሊኦም ባእሲ ኺርእዩ ኢሎም ኣብቲ ቦታ ይጸንሑ፡ ኣብ ሽግር ከኣ ይኣትዉ።’’—ሃይሮ

[ኣብ ገጽ 125 ዘሎ ሳጹን]

ብጾታዊ ንኸየሸግሩኻ ኣቐዲምካ ብኸመይ ከም እትከላኸል

ኣይትኳሸም። እዚ ንኼሸግሩኻ ዚዕድም ተግባር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብዶ ሓዊ ሐቚፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፧” ኢሉ ይሓትት። (ምሳሌ 6:27) እወ፡ ምኵሻም ብሓዊ ኸም ምጽዋት እዩ።

ምስ መን ከም እትውዕል ተጠንቀቕ። ሰባት ምስ መን ከም እትውዕል ርእዮም እዮም፡ መን ምዃንካ ዚግምቱ። ካርላ ዝስማ መንእሰይ፡ “ንዚበሃለን ዘበለ ምስ ዚቕበላ ወይ ቈላሕታ ኺግበረለን ምስ ዚደልያ ትውዕል እንተ ዄንካ፡ ንዓኻ እውን የሸግሩኻ” በለት።—1 ቈረንቶስ 15:33

ብኣከዳድናኻ ተጠንቀቕ። ሕንኪ ዘይብሉ ኣከዳድና ኻብ ኣንጻር ጾታ ቘላሕታ ኺግበረልካ ኸም እትብህግ ንጹር መልእኽቲ የመሓላልፍ እዩ። ነዚ ድማ ክትረኽቦ ኢኻ።—ገላትያ 6:7

ክርስትያናዊ መንነትካ ኣይትሕባእ። እንተ ሓቢእካ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ክርስትያናዊ ስርዓታት ክትሕሉ ኸም ዘሎካ ገይሩ ኣይኪጽበየካን እዩ።—ማቴዎስ 5:15, 16

[ኣብ ገጽ 124 ዘሎ ስእሊ]

ደንዳኒ ንእተዛረቦ ባጫ ብቝጥዓ ምምላስ፡ ኣብ ሓዊ ነዳዲ ኸም ምውሳኽ እዩ

[ኣብ ገጽ 127 ዘሎ ስእሊ]

ብጾታዊ ንዜሸግረካ ብዓውታ፡ ‘ከይትትንክየኒ!’ በሎ