Privacy Settings

To provide you with the best possible experience, we use cookies and similar technologies. Some cookies are necessary to make our website work and cannot be refused. You can accept or decline the use of additional cookies, which we use only to improve your experience. None of this data will ever be sold or used for marketing. To learn more, read the Global Policy on Use of Cookies and Similar Technologies. You can customize your settings at any time by going to Privacy Settings.

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

JW LIBRARY

ዕልባት ተጠቐም—iOS

ዕልባት ተጠቐም—iOS

እቲ ኣብ JW Library እትረኽቦ ቡክማርክ ወይ ዕልባት፡ ከምቲ ብወረቐት ኣብ እተሓትመ ጽሑፍ እትጥቀሞ ዕልባት፡ ኣብቲ እተንብቦ ጽሑፍ ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ምልክት ክትገብረሉ የኽእለካ። ኵሉ እቲ ኣብ JW Library ዘሎ ጽሑፋት ዓዓሰርተ ዕልባት ኣለዎ።

ዕልባት ክትጥቀም እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ መምርሒታት ስዓብ፦

 ዕልባት ግበር

ንሓደ ዓንቀጽ ወይ ምዕራፍ ዕልባት ክትገብረሉ ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ወይ ፍቕዲ መጽሓፍ ቅዱስ ዕልባት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ዕልባት

ንሓደ ዓንቀጽ ወይ ምዕራፍ ዕልባት ክትገብረሉ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ። ነቲ ኣብቲ ዝኸፈትካዮ ጽሑፍ እተገብረ ዕልባት ድማ ክትረኽቦ ኢኻ። ነቲ እተንብቦ ዘለኻ ዓንቀጽ ወይ ምዕራፍ ዕልባት ክትገብረሉ እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ ጥራዩ ዘሎ ዕልባት ጠውቕ።

ኣብ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ወይ ፍቕዲ መጽሓፍ ቅዱስ ዕልባት ክትገብር እንተ ደሊኻ፡ ፈለማ ነቲ ጽሑፍ ጠውቆ፡ ደሓር ከኣ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ።

 ዕልባት ርኸብ

ነቲ ዝገበርካዮ ዕልባት ክትረኽቦ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ዕልባት ዝገበርካሉ ጽሑፍ ክፈቶ፡ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኽትርእዮ ዝደለኻ ዕልባት ጠውቕ።

 ዕልባት ኣተዓራሪ

ነቲ ዝገበርካዮ ዕልባት ከተጥፍኦ ወይ ብኻልእ ክትትክኦ ትኽእል ኢኻ።

  • ደምስስ

    ዕልባት ከተጥፍእ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ፣ ደሓር ከኣ ነቲ ኸተጥፍኦ ዝደለኻ ዕልባት ገንጽሎ። ድሕሪኡ፡ ነታ ደምስስ (Delete) እትብል ምልክት ጠውቃ።

  • ዕልባት ተክእ

    ነቲ ዝገበርካዮ ዕልባት ብኻልእ ክትትክኦ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ምልክት ዕልባት ጠውቃ፣ ደሓር ከኣ ነቲ ኽትትክኦ ዝደለኻ ዕልባት ገንጽሎ። ድሕሪኡ፡ ነታ ተክእ (Replace) እትብል ምልክት ጠውቃ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ዝነበረ ዕልባት በቲ ኣብቲ ሕጂ ዝኸፈትካዮ ጽሑፍ እትገብሮ ካልእ ዕልባት ክትትክኦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዕልባታት እዚ፡ ነቲ እተንብቦ ጽሑፍ ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ምልክት ክትገብረሉ የኽእለካ እዩ። ንኣብነት፡ ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ትሕዝቶ እዚ፡ ካብ ለካቲት 2014 ጀሚሩ ኣብ JW Library 1.2 ይርከብ እዩ፣ እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ድማ፡ ኣብ iOS 6.0 ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝወጸ iOS ይዓዪ እዩ። ነዚ ትሕዝቶ እዚ ኽትረኽቦ እንተ ዘይክኢልካ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ትሕቲ “JW Library ተጠቐም—iOS” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ዘሎ ናይ ቀረባ ግዜ ለውጥታት ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።