Privacy Settings

To provide you with the best possible experience, we use cookies and similar technologies. Some cookies are necessary to make our website work and cannot be refused. You can accept or decline the use of additional cookies, which we use only to improve your experience. None of this data will ever be sold or used for marketing. To learn more, read the Global Policy on Use of Cookies and Similar Technologies. You can customize your settings at any time by going to Privacy Settings.

6-12 ጥሪ

መዝሙር 134ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ኣቱም ወለዲ ንኽቡራት ውሉዳትኩም ተኸናኸንዎም

(10 ደቒቕ)

ወለዲ ስድራኦም ዜድልያ ነገር ኣብ ምምላእ ዚገብርዎ ጻዕሪ የሆዋ ኸም ዚሕግዞም ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም (መዝ 127:1, 2)

ውሉዳት፡ ክቡር ውህበት የሆዋ እዮም (መዝ 127:3w21.08 5 ¶9)

ንነፍሲ ወከፍ ደቅኹም ከከም ዜድልዮም ኣሰልጥንዎም (መዝ 127:4w19.12 26 ¶20)

ሓደ ኣቦ በታ “ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ብሮሹር ገይሩ ንኽልተ ንኣሽቱ ደቁ ይምህሮም። እቶም ደቁ ድማ ኣብ ገነት ምስ ሓርማዝን ጎሪላን ኪጻወቱ ኸለዉ ብኣእምሮኦም ይስእሉ።

የሆዋ፡ ወለዲ ኣብኡ ኺውከሉን ደቆም ንምክንኻን ዚከኣሎም ኪገብሩን ከለዉ ይሕጐስ እዩ

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 128:3—እቲ ዘማሪ ንቘልዑ ምስ ጨናፍር ኦም ኣውልዕ ዜነጻጽሮም ስለምንታይ እዩ፧ (it-1 543)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 3)

5. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። እቲ ሰብ ምስ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ እምነቱ ይገልጽ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 4)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 16 ነጥቢ 4-5። ተምሃራይካ ኣብ ዘይትህልወሉ እዋን መጽናዕቱ ምእንቲ ኪቕጽል ብዛዕባ ዝገበርካሉ ምትዕርራይ ተመያየጡ። (lmd ትምህርቲ 10 ነጥቢ 4)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 13

7. ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ብኣብነትኩም ምሃርዎም

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ውድብ የሆዋ፡ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ የሆዋ ንምምሃር ዚሕግዝ ማእለያ ዘይብሉ ሕታማት ኣዳልያ ኣላ። እንተዀነ ግና፡ ወለዲ ንደቆም ዚምህሩሉ እቲ ብሉጽ መገዲ፡ ኣብነት ብምዃን እዩ።—ዘዳ 6:5-9

የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ንምምሃር ነዚ ብሉጽ መገዲ እዩ ተጠቒሙ።

ዮሃንስ 13:13-15 ኣንብብ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • የሱስ ብኣብነቱ ምምሃሩ ውጽኢታዊ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧

ከም ወለዲ መጠን ነቲ ንደቅኹም ብቓል እትነግርዎም፡ ተግባርኩም የራጕዶ እዩ። ብዘይካዚ፡ ጽቡቕ ኣብነትኩም ነቲ እትምህርዎም ኣኽብሮት ኬማዕብሉን ንኺሰምዕኹም ኪድረኹን የኽእሎም እዩ።

ስእልታት፦ “ንደቅና ብኣብነትና ንምሃሮም” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። 1. ስድራ ቤት ጋርሲያ ብማኪናኦም ናብ ኣኼባታት ኪኸዱ ተዳልዮም። 2. እታ ስድራ ቤት ካብ ኣኼባ ምስ ተመልሰት ኣብ ዙርያ ሰደቓ ኾፍ ኢላ። የዕልሉን ጠዓሞት ይበልዑን። 3. ሓውና ጋርሲያ መጽናዕቲ ደው ኣቢሉ ምስ ጓሉ የዘራርባ። 4. እቶም ወለዲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ንጓሎም የርድኡዋ።

ነታ ንደቅና ብኣብነትና ንምሃሮም። ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • እንዳ ሓውና ጋርሲያ ንደቆም እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዮም ምሂሮመን፧

  • ወለዲ ንደቅኹም ጽቡቕ ኣብነት ብምዃን ዝመጸ ኻብዛ ቪድዮ እንታይ ተማሂርኩም፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 20 ¶13-20

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 73ን ጸሎትን