ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
የሆዋ ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ ሓጢኣት ይቕረ ንምባል ፍታው ካብ ሃለዎ: ክርስትያናት ናብቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ቀሪቦም ክናዘዙ ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ፧
ከምቲ ኣብ ጕዳይ ዳዊትን ባትሴባን እተራእየ: ሽሕኳ እቲ ዳዊት ዝፈጸሞ ሓጢኣት ከቢድ እንተ ነበረ ብምኽንያት እቲ ዘርኣዮ ናይ ሓቂ ነስሓ ኣምላኽ ንሓጢኣቱ ይቕረ ኢልሉ ኢዩ። ነብዪ ናታን ቀሪቡ ምስ ተዛረቦ: ዳዊት “ንእግዚኣብሄር በደልኩ” ብምባል ብጋህዲ ተናዘዘ።—2 ሳሙኤል 12:13
ይኹን እምበር: የሆዋ ንሓደ ልባዊ ነስሓ ዘርኣየ ሓጥእ ይቕረ ይብለሉ ጥራይ ዘይኰነስ ብመንፈስ ምሉእ ብምሉእ ንኽዕረ ዝሕግዞ ፍቕራዊ ምድላዋት ይገብረሉ ኢዩ። ንዳዊት ነብዪ ናታን ኢዩ ሓጊዝዎ። ሎሚ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብመንፈስ ዝበሰሉ ሽማግለታት ኣለዉ። ወደ መዝሙር ያእቆብ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብ ማእከልኩምከ [ብመንፈስ] ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ: ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር: ዘይቲ እናለኸይዎ: ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ: ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።”—ያእቆብ 5:14, 15
ተመክሮ ዘለዎም ሽማግለታት: እቲ ጣዕሳ ዘርኣየ ሓጥእ ንእተሰምዖ ጓሂ ልቢ ንምጽንናዕ ዝከኣሎም ኢዮም ዝጽዕሩ። ኣብቲ ምስኡ ዝገብርዎ ርክብ ንየሆዋ ክቐድሕዎ ኢዮም ዝጽዕሩ። ሓያል ተግሳጽ ምሃብ ግቡእ ክኸውን ዝኽእል እኳ ገላትያ 6:1) ሓደ ሰብ ብፍታው ተላዒሉ ሓጢኣቱ እኳ እንተ ዘይተናዘዘ: ከምቲ ናታን ንዳዊት ምስ ቀረቦ እተራእየ: ሽማግለታት ምስ ዘዘራርብዎ ንኽናሳሕ ክለዓዓል ይኽእል ኢዩ። እቲ ብሽማግለታት ዝወሃቦ ሓገዝ እምበኣር ነቲ በዳሊ ሓጢኣቱ ንኸይደግሞ ከምኡውን ተሪርካ ኣብ ሓጢኣት ብምጽናዕ ንዝመጽእ ከቢድ ሳዕቤን ንኸርሕቕ ይሕግዞ ኢዩ።—እብራውያን 10:26-31
እንተዀነ ተረርቲ ክዀኑ ፈጺሞም ኣይደልዩን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ብድንጋጸ ተላዒሎም ነቲ ውልቀ-ሰብ ብቕልጡፍ ዘድልዮ ነገር እንታይ ምዃኑ ኢዮም ኣብ ግምት ዘእትዉ። ብቓል ኣምላኽ ገይሮም ንኣተሓሳስባ እቲ በዳሊ ብትዕግስቲ ከቕንዕዎ ይጽዕሩ። (ሓደ ሰብ ንዘሕፍር ተግባሩ ንኻልኦት ተናዚዙ: ሕድገት ሓጢኣት ክሓትት ቀሊል ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። ውሽጣዊ ጽንዓት ይሓትት። እንተዀነ ግን እስከ በቲ ሓደ መዳይ ሕሰብ። ሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ ኽነሱ ናብ ሽማግለታት ቀሪቡ ሓጢኣቱ ዘይገለጸ ሰብኣይ ከምዚ በለ:- “ካብ ልበይ ዘይወጽእ ጓሂ ይስመዓኒ ነበረ። ኣብቲ ዕዮ ስብከት ንምስታፍ ተወሳኺ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበርኩ እቲ ሕርኽርኽ ዝብለኒ ዝነበረ ነገር ኣየልገሰን።” ብጸሎት ቀሪብካ ናብ ኣምላኽ ምንዛዝ እኹል ኢዩ ኢሉ ይሓስብ እኳ እንተ ነበረ: እኹል ኰይኑ ግን ኣይረኸቦን: ምኽንያቱ ከምቲ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝኣመሰለ ስምዒት ኢዩ ነይርዎ። (መዝሙር 51:8, 11) ነቲ የሆዋ ብሽማግለታት ኣቢሉ ዘዳልዎ ፍቕራዊ ደገፍ ምቕባልሲ ኽንደይ ዝሓሸ ዀን ኢዩ!