ለበዳ ጽልኢ
ለበዳ ጽልኢ
“ሰባት ብዛዕባ ባህርያት እቶም ዝጸልእዎም ሰባት ፈጺሞም ኣይፈልጡን ኢዮም።”—ጄምስ ራስል ሎዌል እተባህለ ጸሓፍ ቴማን ዲፕሎማትን
ኣብዚ ግዜና ጽልኢ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ምብራቕ ቲሞር: ኮሶቮ: ላይበርያ: ሊትልቶን: ሳረየቮ: ኒዮ-ናዚ: ስኪንሄድ: ከምኡውን ልዕልነት ጸዓዱ ዝብል ኣስማት ኣብ ኣእምሮና ተቐሪጹ ኢዩ። እዚ ኣስማት እዚ ክንሰምዕ ከሎና ድማ ዝነደደ ኣባይቲ: ብጅምላ እተቐብረ ሬሳታት: ከምኡውን ምዉታት ኢዩ ኣብ ኣእምሮና ዝሰኣል።
መጻኢ ካብ ጽልኢ: ግጭት: ከምኡውን ዓመጽ ናጻ ንኽኸውን ዝነበረ ሕልሚ በኒኑ ተረፈ። ዳንየል ሚተራንድ: በዓልቲ ቤቱ ነቲ ዝሞተ ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት: ብዛዕባ ግዜ ንእስነታ ብምዝካር ከምዚ በለት:- “ሰባት ኣብ ሓደ ትውክልቲ ዝገብርሉ: ምስ ገዛእ ርእሶም ይኹን ምስ ካልኦት ብሰላም ዝነብሩሉ ናጻ ማሕበረሰብ ክነብሩ፣ ኣብ ሓንቲ ዕቑባ እትዀኖም ድልድልትን ለጋስን ዝዀነት ዓለም ጥዕናን ሰላምን ረኺቦም ክብሪ ዘለዎ ናብራ ክነብሩ ኢዩ ነይሩ ሕልሞም።” እዚ ሕልሚ እዚ እንታይ ኰነ፧ ከምዚ ኢላ ጓሂኣ ገለጸት:- “ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ዝነበረና ዅሉ ሕልሚ በነነ።”
እዚ ሕጂ እንደገና ገኒኑ ዘሎ ጽልኢ ስቕ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኰነን። ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ኢዩ ዘሎ: ኣዝዩ ርኡይ ብዝዀነ መገድታት ድማ ኢዩ ዝንጸባረቕ ዘሎ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣስተብሂሎምሉ ዘይፈልጡ ብሕታዊ ድሕንነት በቲ ዝርአ ጭከና እተሓወሶ ተግባራት ዓመጽ ጠፊኡ ኢዩ: ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ተርእዮ ጽልኢ ኸኣ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝያዳ ዝኸፍአ ኢዩ ዝመስል። ኣብ ገዛና ወይ ኣብ ዓድና ጽልኢ እንተ ዘየጋጠመና እኳ ኣብ ካልእ ቦታ ግን ከጋጥመና ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ናይ ተሌቭዥን ዜና ወይ ኣብ ካልእ ዝቃላሕ እዋናዊ ጕዳያት መርትዖ ናይዚ ንርኢ ኢና። አረ ገለ ካብኡስ ኣብ ኢንተርነት እውን ከይተረፈ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ተወዳዳሪ ዘይብሉ ብርቱዕ ሃገራዊ ስምዒት ተራእዩ ኢዩ። ጆሴፍ ኤስ. ኒ ጁንየር ዳይሬክተር ናይቲ ኣብ ሃርቫርድ ዘሎ ማእከል ዓለምለኻዊ ጕዳያት ከምዚ ይብል:- “ኣብ ዝበዝሕ ክፍሊ ዓለም ሃገራዊ ስምዒት እናደኸመ ዘይኰነስ እናሓየለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ዓለም ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደ እትጥርነፍ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰን ጥራይ ብዝግደሳ ንኣሽቱ ጕጅለታት ኢያ መሊኣ ዘላ። እዚ ኸኣ ብግዴኡ ግጭታት ንኽፍጠር ዘሎ ኣጋጣሚታት ዘዕብዮ ኢዩ።”
ገሊኡ ዓይነት ጽልኢ ካብ ዶብ ሓንቲ ሃገር ከይወጸ ወይ እውን ኣብ ጐረባብቲ ጥራይ እተሓጽረ ኰይኑ ሰላሕታዊ ኢዩ። ኣብ ካናዳ ሓሙሽተ ኣባላት ስኪንሄድ ዝበሃል ጕጅለ ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰዓብ እምነት ሲክ ምስ ቀተልዎ “ኣብታ ብዙሕ ግዜ ዓሌታዊ ተጻዋርነት ከም ዘለዋ እትፍለጥ ዝነበረት ሃገር ዓመጽ እተሓወሶ ጽልኢ ከም ዝጀመረ ገሊኦም ኣጕልሑ።” ኣብ ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝግ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ በቶም ጥሩፋት ዓሌታውያን ዝወርድ መጥቃዕቲ ኣብ 1997 ብ27 ሚእታዊ ወሰኸ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ማንፍረድ ካንተር ድማ “ተስፋ ዘቝርጽ ተርእዮ” ምዃኑ ገለጸ።
ኣብ ሰሜናዊ ኣልባንያ ልዕሊ 6,000 ዝዀኑ ቈልዑ ብጸላእቲ ስድራቤቶም ምእንቲ ከይቅተሉ ብምስጋኦም ካብ ገዝኦም ስለ ዘይወጹ ዳርጋ ከም እሱራት ኢዮም። እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ግዳያት ናይቲ “ንናብራ ኣሽሓት ስድራቤታት ሰላም ዝኸልእ” ዘሎ ቬንዴታ ትራዲሽን ዝበሃል ቀቢላዊ ጽልኢ ኢዮም ኰይኖም። ብመሰረት ጸብጻብ ፌዴራል ቢሮ ኦቭ ኢንቨስቲገሽን (ኤፍቢኣይ): ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “ካብቲ ኣብ 1998 ኣብ ኤፍቢኣይ እተመዝገበ 7,755 ዝኣክል ጽልኢ እተሓወሶ ዓመጽ: ልዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ብሰንኪ ዓሌታዊ ከይመርመርካ
ብሕማቕ ምፍራድ እተፈጸመ ኢዩ።” ነቲ ዝተረፈ ካልእ ዓመጽ መበገሲ ዝዀነ ድማ ሃይማኖታዊ: ቀቢላዊ ወይ ሃገራዊ መበቈል: ከምኡውን ስንክልና ዘሕደሮ ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይ ኢዩ።ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ዜኖፎብያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ወጻእተኛታት ናይ ምጽላእ ባህርይ: ብፍላይ ነቶም ሕጂ ቍጽሮም ልዕሊ 21 ሚልዮን በጺሑ ዘሎ ስደተኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ: ከም ለበዳ ኰይኑ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ጋዜጣታት ዝወጽእ ኣርእስትታት ይሕብር ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ዝበዝሑ ካብቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልኢ ዘንጸባርቑ እቶም ሓላፍነት ብዘይስምዖም ፖለቲከኛታትን ንኻልኦት ከም መጋበርያ ክጥቀሙሎም ዝደልዩ ሰባትን ዝድፍኡ መንእሰያት ምዃኖም ኢዩ። ኣብ ካልኦት ትውክልቲ ዘይምግባር: ተጻዋርነት ዘይምህላው: ከምኡውን ነቶም እተፈልየ መበቈል ዘለዎም ሰባት ብጅምላ ምዅናን ዝኣመሰለ ባህርያት እውን ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይግበሮ እኳ እንተዀነ ከምዚ ዝዓይነቱ ጽልኢ ከም ዘሎ ዝሕብር ምልክታት ኢዩ።
ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ለበዳ ጽልኢ እንታይ ኢዩ ምኽንያቱ፧ ጽልኢ ካብ ሱሩ ንምጥፋእ እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እዚ ክንመያየጥ ኢና።
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Cover, top: UN PHOTO 186705/J. Isaac
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
Daud/Sipa Press