ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እኩያት መናፍስቲ ሓያላት ኢዮም

እኩያት መናፍስቲ ሓያላት ኢዮም

ምዕራፍ 10

እኩያት መናፍስቲ ሓያላት ኢዮም

1. ብዙሓት ሰባት ምስ ምዉታት ክዛረቡ ከም ዝኽእሉ ዝኣምኑስ ስለምንታይ ኢዩ፧

 ሰባት ብዙሕ ግዜ ምስ ምዉታት ተዛሪብና ይብሉ። ጄምስ ኤ ፓይክ ሓደ ምርኡይ ኣቡን ናይ ኢጲስቆጳል ቤተ ክርስትያን ዝነበረ ምስቲ ዝሞተ ወዱ ጂም ከም እተዛራረበ የዘንቱ። ፓይክ ከም ዘዘንተዎ ድማ ወዱ “ብዙሓት ሰባት ከቢቦሙኒ ኣለዉ: በእዳዎምውን ሓፍ የብሉኒ ኣለዉ . . . ክሳዕ ዝነግረካ ድማ ሕጕስ ኣይነበርኩን” ኢሉ ነጊሩዎ።

2. (ሀ) ስለምንታይ ኢዩ ዝዀነ ሰብ ምስ ምዉታት ክዛረብ ዘይክእል፧ (ለ) ከመይ ዝበሉ ሕቶታትከ ይለዓሉ፧

2 ከምዚ ዝኣመሰለ ተመኵሮ ልሙድ ስለ ዝዀነስ ሓያሎ ሰባት ምስ ሓደ ካብ ናይ መናፍስቲ ዓለም ተዛሪቦም ኣለዉ ማለት ኢዩ። ምስ ምዉታት ግን ኣይተዛረቡን። መጽሓፍ ቅዱስ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ክብል ከሎ ግሉጽ ኢዩ። (መክብብ 9:​5) ካብ ናይ መናፍስቲ ዓለም ዝዛረቡ እቶም ምዉታት ካብ ዘይኰኑ: እቶም ዝዛረቡ ደኣ መን ኢዮም፧ ነቶም ምዉታት ሰባት ዘምስሉስ መን ኢዮም፧

3. (ሀ) ንምዉታት ዘምስሉ መን ኢዮም: ስለምንታይከ፧ (ለ) እኩያት መናፍስቲኸ ንመን ኢዮም ብዙሕ ግዜ ሓበሬታ ዝህቡ፧

3 እኩያት መናፍስቲ ኢዮም። እዞም መናፍስቲ ወይ ኣጋንንቲ እዚኦም ድማ ምስ ሰይጣን ኣንጻር ኣምላኽ ንምዕላው ዝሓበሩ ኢዮም። ምዉታት ሰባት መሲሎም ዝቐርቡ ደኣ ስለምንታይ ኢዮም፧ ምዉታት ጌና ህያዋን ኢዮም ንዝብል ሓሳብ ንኸማዕብሉ ኢሎም ኢዮም። እኩያት መናፍስቲ ንብዙሓት ሰባት ሞት ናብ ካልእ ህይወት ምልዋጥ ኢዩ ንዝብል ሓሶት ክኣምኑውን መሪሖምዎም ኢዮም። ነዚ ሓሶት እዚ ንምንዛሕ: እኩያት መናፍስቲ: ንመናፍስቲ ዝጥይቑን ንጠንቆልትን ንኣስማተኛታትን ካብ ዝሞቱ ሰባት ዝመጸ ዘምስል ፍልይ ዝበለ ፍልጠት ይህብዎም።

ነቲ ዝሞተ ሳሙኤል ምምሳል

4. (ሀ) ንጉስ ሳኦል ሓገዝ ደልዩ ዓቕሊ ዘጽበበ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሕጊ ኣምላኽከ ብዛዕባ መንፈስ ጥንቆላ ዘለዎምን መውደቕቲ ዛዕጐልን እንታይ ነበረ፧

4 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዝሞተ ሳሙኤል ዝበሃል ነብዪ ኣምላኽ ኣምሲሉ ዝቐረበ: ናይ ሓደ እኩይ መንፈስ ኣብነት ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ መበል 40 ዓመት ግዝኣት ናይ ንጉስ ሳኦል ዝዀነ ኢዩ። ሓደ ብርቱዕ ሰራዊት ፍልስጥኤም ናብቲ እስራኤላዊ ሰራዊት ናይ ሳኦል ደየበ: ንሱ ኸኣ ብዙሕ ፈርሀ። ሳኦል ነቲ “ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ: ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም” ዝብል ሕጊ ኣምላኽ ይፈልጦ ኢዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 19:​31) እንተዀነ ግን ድሕሪ ገለ ግዜ ሳኦል ካብ የሆዋ ረሓቐ። ስለዚ እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ብህይወቱ ዝነበረ ሳሙኤል ንሳኦል ክርእዮ ኣይደለየን። (1 ሳሙኤል 15:​35) ኣብዚ እዋን ጸበባ እዚ: የሆዋ ነቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ልመና ስለ ዘይሰምዖ: ንጉስ ሳኦል ዓቕሉ ጸበቦ።

5. (ሀ) ሓገዝ ንኽረክብ ኢሉ: ሳኦል ናበይ ኢዩ ዝኸደ፧ (ለ) እታ መንፈስ ጥንቆላ ዝነበራ ሰበይቲ እንታይ ኢያ ዝገበረት፧

5 ሳኦል እንታይ ከም ዘጋጥሞ ክፈልጥ ኣዝዩ ስለ እተሃንጠየ: ናብ ሓንቲ ኣብ ዔን–ዶር እትርከብ መንፈስ ጥንቍልና ዝነበራ ሰበይቲ ኸደ። ንሳ ክትርእዮ እትኽእል ናይ ሓደ ሰብ ቅርጺ ከተምጽእ ከኣለት። ብዝሃበቶ ሓበሬታ ናይቲ ቅርጺ ድማ: ሳኦል “ሳሙኤል ኢዩ” ዝብል ግምት ወሰደ። ድሕርዚ ኸኣ እቲ ንሳሙኤል ዘምሰለ መንፈሳዊ ኣካል ከምዚ በለ። “ስለምንታይ ኢኻ ኸተተንስኣኒ ዘዕገርገርካኒ፧” ሳኦል ከኣ “ኣነ ኣዝዩ ጸቢቡኒ አሎ: ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ አለዉ” በለ። እቲ መንፈሳዊ ኣካል ከኣ “እግዚኣብሄር ካብ ረሐቐካ ጸላኢኻውን ካብ ኰነ ደኣ: ስለምንታይ ኢኻ እትጥይቐኒ[፧]” በሎ። ድሕርዚ እቲ ነቲ ዝሞተ ሳሙኤል መሲሉ ዝቐረበ እኩይ መንፈሳዊ ኣካል: ንሳኦል ኣብቲ ውግእ ብፍልስጥኤማውያን ክቕተል ከም ዝዀነ ነገሮ።​—⁠1 ሳሙኤል 28:​3–19

6. እቲ ምስ ሳኦል እተዛረበ ሳሙኤል ክኸውን ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ፧

6 እታ ጠንቋሊት እተራኸበቶ ብሓቂ ሳሙኤል ከም ዘይነበረ ፍሉጥ ኢዩ። ምኽንያቱ ሽዑ ሳሙኤል ሞይቱ ኢዩ ነይሩ: ኣብ ግዜ ሞት ከኣ ሰብ “ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ።” (መዝሙር 146:​4 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ነዚ ነገር’ዚ ቍሩብ እንተ ደኣ ሓሲብናሉ እቲ ሽዑ እተሰምዐ ድምጺ ብሓቂ ናይቲ ዝሞተ ሳሙኤል ከም ዘይነበረ ብዝያዳ የርእየና። ሳሙኤል ነቢ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። ስለዝዀነ እኳ መንፈስ ጥንቍልና ንዝነበሮም ይጻረሮም ኢዩ ነይሩ። ርኢናዮ ከም ዘሎናውን: ብህይወቱ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ምስቲ ዘይእዙዝ ዝነበረ ሳኦል ከይዛረብ ፈጺሙ ኣብዩ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር ሳሙኤል ብህይወቱ እንተ ዝነብርሲ: ሓንቲ መንፈስ ጥንቍልና ዘለዋ ሰበይቲ ምስ ሳኦል ንኸተራኽቦስ ምፈቐደዶ፧ ኣብ ልዕል እዚ ድማ የሆዋ ንሳኦል ዝዀነ ሓበሬታ ኣብዩዎ ካብ ነበረ: ሓንቲ ጠንቋሊትዶ ንየሆዋ በቲ ዝሞተ ሳሙኤል ገይሩ ንሳኦል መልሲ ንኽህቦ ክትግድዶ ምኽኣለት፧ ህያዋን ምስቶም ዝፈትዉዎም ምዉታት ቤተ ሰቦም ክዛረቡ ዝኽእሉ ነይሮም እንተ ዝዀኑ ኸኣ ብርግጽ እዚ ፈቃር ዝዀነ ኣምላኽ ብእኦም “ከይትረኽሱ” ናብ መንፈስ ጥንቍልና ዘለዎም ኣይትመለሱ ኣይምበለን።

7. ኣምላኽ ህዝቡ ካብ እኩያት መናፍስቲ ምእንቲ ክሕለዉስ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ፧

7 እኩያት መናፍስቲ ንሰባት ኽጐድኡ ስለ እተላዕሉ: የሆዋ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ዑቕባ ክረኽቡ ኢሉ መጠንቀቕታ ሂቡ ኢዩ። ነዚ ዝስዕብ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም መጠንቀቕታ ኣንብብ። ካብኡ ኣጋንንቲ ንሰባት ንኸስሕቱ ዝጥቀምሉ ውዲታት እንታይ ምዃኑ ክትግንዘብ ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል “መውደቒ ዛዕጐል ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ ወይ ተራጋሚ: መናፍስቲ ዚጥይቕ: ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ: ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገር’ዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን ኢዩ።” (ዘዳግም 18:​10–12 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ሎሚውን እኩያት መናፍስቲ ንሰባት ምእንቲ ክጐድኡ ኢሎም እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉን ንሕናውን ከመይ ጌርና ክንቃወሞም ከም እንኽእልን ክንፈልጥ የድልየና። ብዛዕባ እዚ ቅድሚ ምምሃርና ግን እዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኦም መዓስን ብኸመይን ከም ዝጀመሩ ንርአ።

እኩያት መናፍስቲ ዝዀኑ መላእኽቲ

8. (ሀ) ሰይጣን ካብ ኣምላኽ ከም ዝዓ​ልዉ ዝገበሮም ንመን ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ሰማይ እተመዘዝሉ ዕዮ ምስ ኣቋረጹኸ ናበይ ከዱ፧

8 ሓደ መልኣኽ ዝነበረ ፍጡር: ኣብ ገነት ኤደን ንሄዋን ሓሶት ስለ እተዛረባ: ንገዛእ ርእሱ ሰይጣን ድያብሎስ ዝብሃል እኩይ መንፈስ ገበራ። ድሕሪ ገለ ግዜውን ንኻልኦት መላእኽቲ ካብ ኣምላኽ ከም ዝዓልዉ ክገብሮም ሃቀነ። ሰለጦውን። ገለ መላእኽቲ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ክገብሩዎ ዝመዘዞም ዕዮ ገዲፎም: ከም ሰብ ስጋዊ ኣካል ለቢሶም ናብ ምድሪ ወረዱ። እቲ ክርስትያን ወዲ መዝሙር ይሁዳ ብዛዕባኦም ክጽሕፍ ከሎ “ነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበር: መዓርጎም ዘይሐለዉ መላእኽቲ” በሎም። (ይሁዳ 6) ናብ ምድሪ ዝወረዱ ስለምንታይ ኢዮም፧ ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበሮም ጽቡቕ መዓርግ ሓዲጎም ናብ ምድሪ ንኽወርዱኸ ሰይጣን ከመይ ዝበለ ግጉይ ባህጊ ኢዩ ኣብ ልቦም ዘሕደረሎም፧

9. (ሀ) እቶም መላእኽቲ ናብ ምድሪ ዝወረዱ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ተግ​ባራቶም ጌጋ ከም ዝዀነኸ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይገልጾ፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይገልጸልና “እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ: መልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረአዩ: ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱ።” (ዘፍጥረት 6:​2) እወ: እቶም መላእኽቲ ስጋዊ ኣካል ለቢሶም: ምስተን መልክዔኛታት ኣንስቲ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽሙ: ናብ ምድሪ ወረዱ። እንተዀነ መላእኽቲ ከምዚ ዝበለ መውስቦ ክፍጽሙ ጌጋ ኢዩ ነይሩ። እዚ ናይ ዘይምእዛዝ ተግባር ኢዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ንሳቶም ዝገበርዎ: ልክዕ ምስቲ ሰብ ሰዶምን ጎሞራን: ሰብኣይ ኣብ ሰብኣይ ዝገበርዎ ነውራም ተግባራት ኢዩ ኣመዓራርዩዎ ዘሎ። (ይሁዳ 6, 7) እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧

10, 11. (ሀ) እቶም መላእኽቲ ከመይ ዝበሉ ውሉዳት ኢዮም ዝወለዱ፧ (ለ) ማይ ኣይሂ ምስ መጸ እቶም ንጉዓት እንታይ ኰኑ፧ (ሐ) ኣብ ግዜ ማይ ኣይሂ: እቶም መላእኽቲ እን​ታይ ኰኑ፧

10 ነዞም መላእኽትን ኣንስቶምን ውሉዳት ተወልዱሎም። እቶም ውሉዳት ግን በይኖም ዝዓይነቶም ኢዮም ነይሮም። ንጉዓት: እወ እኩያት ንጉዓት ክሳዕ ዝዀኑውን እናዓበዩ ኸዱ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት” ኢዩ ዝብሎም። እዞም ንጉዓት እዚኦም ድማ: ንዅሉ ሰብ ከማታቶም ክፉእ ክኸውን ይግድድዎ ነበሩ። ብሰንኪ እዚውን መጽሓፍ ቅዱስ “ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ከም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ” ከም ዝዀነ ይዛረብ። (ዘፍጥረት 6:​4, 5) ስለዚ ድማ የሆዋ ማይ ኣይሂ ኣውረደ። ኵሎም እቶም ንጉዓት ወይ “ነፊሊም” እተባህሉን ኵሎም እኩያት ደቅሰብ ከኣ በቲ ማይ ጠፍኡ። እቶም ናብ ምድሪ ዝወረዱ መላእኽቲኸ እንታይ ኰኑ፧

11 ንሳቶምሲ በቲ ማይ ኣይጠፍኡን። ነቲ ለቢሶሙዎ ዝነበሩ ስጋዊ ኣካል ቀንጢጦም መንፈሳውያን ኣካል ኰይኖም ንሰማይ ተመልሱ። እንተ ዀነ ግን ተመሊሶም ክፍሊ ናይታ ብቕዱሳት መላእኽቲ ዝቖመት ማሕበር ኣምላኽ ክዀኑ ኣይተፈቕደሎምን። የግዳ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝብሎስ “ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ [ጠርጦስ ትሓዓ ]: ደርብዩ ብመቝሕ ጸልማት ተአሲሮም ንፍርዲ ክሕለዉ ኣሕሊፉ ሃቦም።”​—⁠2 ጴጥሮስ 2:​4

12. (ሀ) እቶም እኩያት መላእኽቲ ንሰማይ ምስ ተመልሱ እንታይ ረኸቦም፧ (ለ) እንደገና ሰብኣዊ ኣካል ክለብሱ ዘይክእሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ሐ) ስለዚ ሕጂ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧

12 እዞም እኩያት መላእኽቲ ኣብ ሓደ ቃል ብቓሉ ጠርጦስ እተባህለ ቦታ ኣይተደርበዩን። የግዳ እዛ ጠርጦስ እትብል ኣብ ገሊኡ ትርጕም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብጌጋ “ሲኦል” ኢሎም ተርጒሞምዋ ዘለዉስ ነቲ ናይ መላእኽቲ ውርደትን ውድቀትን ኢዩ ዘመልክት። ካብቲ መንፈሳዊ ብርሃን ናይ ማሕበር ኣምላኽ ተቖሪጾም ኢዮም: ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ጥራይ ከኣ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ። (ያእቆብ 2:​19፣ ይሁዳ 6) ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኣምላኽ ነዞም ኣጋንንቲ ስጋ ከም ዘይለብሱ ስለ ዝገበሮም: ነቲ ዘይባህሪኦም ዝዀነ ጾታዊ ባህጊ ብቐጥታ ከዕግቡ ኣይከአሉን። ገና ግን ኣብ ልዕሊ ሰብኡትን ኣንስትን ሓደገኛ ዝዀነ ሓይልታቶም ከዘውትሩ ይኽእሉ ኢዮም። ሰይጣን በዞም ኣጋንንቲ እዚኦም ተደጊፉ እኳ ደኣ ኢዩ ‘ንብዘላ ዓለም ዘስሕታ ዘሎ።’ (ራእይ 12:​9) እዚ ሎሚ ኣዝዩ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጾታዊ ዓመጻ: ገበንን ካልእ እኩይ ተግባራትን ብእኦም ከይንታለል ክንሕሎ ከም ዘድልየና የርኢ።

እኩያት መናፍስቲ ብኸመይ ከም ዘስሕቱ

13. (ሀ) እኩያት መናፍስቲ ከመይ ገይሮም ኢዮም ዘስሕቱ፧ (ለ) ሓተታ መናፍስቲ እንታይ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባኡ እንታይ ይብል፧

13 ሰይጣን ከም “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ኰይኑ ንሰባት ብመንግስታት ዓለምን ናይ ሓሶት ሃይማኖታትን ገይሩ ነቲ ሓቂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ከይፈልጡ ሓሳባቶም ከም ዘዖሮ ኣቐዲምና ተማሂርና ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 4:​4) እዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኦም ንሰብኡትን ኣንስትን ዘስሕትሉ ካልእ ዓቢ መገዲ: ሓተታ መናፍስቲ ኢዩ። ሓተታ መናፍስቲ እንታይ ኢዩ፧ ምስ እኩያት መናፍስቲ ባዕልኻ ወይ ብሓደ ማእከላይ ሰብ ጌርካ ምርኻብ ማለት ኢዩ። ሓተታ መናፍስቲ ንሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ናይ ኣጋንንቲ ኢዩ ዘውድቖ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምስ ሓተታ መናፍስቲ እተተሓሓዘ: ዝዀነ ይኹን ተግባራት: ክንርሕቕ የጠንቅቐና።—ገላትያ 5:​19–21፣ ራእይ 21:​8

14. (ሀ) ጥንቆላ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ እንታይ ይብል፧

14 ጥንቆላ ልሙድ ዝዀነ ዓይነት ናይ ሓተታ መናፍስቲ ኢዩ። ብዛዕባ መጻኢ ወይ ዘይተፈልጠ ነገር ክትፈልጥ ኢልካ ብሓገዝ ናይቶም ዘይርኣዩ መናፍስቲ ዝግበር ተግባር ኢዩ። እዚውን በቲ ክርስትያን ወዲመዝሙር ሉቃስ ዝጸሓፎ ተገሊጹ ኣሎ:- “መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና።” ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ነታ ጓል ካብ ሓይሊ ናይቲ ሒዝዋ ዝነበረ እኩይ መንፈስ ሓራ ምስ ኣውጽኣ: ድሕርቲ ብዛዕባ ዝመጽእ ክትዛረብ ኣይከኣለትን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 16:​16–19

15. (ሀ) ገለ ካብቲ ምስ ሓተታ መናፍስቲ እተኣሳሰረ ነገራት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብኡ ምስታፍ ሓደገኛ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧

15 ሓተታ መናፍስቲ ምስጢራውን ዘደንጹን ስለ ዝዀነ ብዙሓት ሰባት ይግደስሉ ኢዮም። የሀንኖም ከኣ ኢዩ። ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ ምስራይ: ምጥንቋል: ምፍዛዝ ሰባት: ሽሕር: ምቍጻር ከዋኽብቲ: ምውዳቕ ዛዕጐል ወይ ኣብ ኻልእ ምስ ሓተታ መናፍስቲ እተተሓሓዘ ነገራት ይኣትዉ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዝገልጽ መጻሕፍቲ የንብቡ ወይ ሲነማ ይኣትዉ ወይ ናይ ቲቪ መደባት ይርእዩ ይዀኑ። ኣብ ሓደ ምስ ናይ መናፍስቲ ዓለም ከራኽቦም ዝፍትን ማእከላይ ዘለዎ ኣኼባውን ይኸዱ ይዀኑ። እንተ ዀነ ግን ኵሉ እዚ ነገራትዚ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ከገልግል ንዝደሊ ሰብ ዕሸነት ኢዩ። ሓደገኛውን ኢዩ። ሕጂውን እንተዀነ ኣብ ናይ ሓቂ ጸገም ክመርሓካ ይኽእል ኢዩ። ኣምላኽ እውን ንዅሎም እቶም ሓተታ መናፍስቲ ዘዘውትሩ ዘበሉ ክፈርዶምን ካብ ቅድሚኡ ክድርብዮምን ኢዩ።​—⁠ራእይ 22:⁠15

16. ከመይ ገይሩ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያን ምስ እኩያት መናፍስቲ ቃልሲ ከም ዘለዎም ዝገልጽ፧

16 ሓደ ሰብ ብዝከኣሎ መጠን ካብ ሓተታ መናፍስቲ ክርሕቕ ኢሉ እኳ እንተ ተጋደለስ ብገለ መገዲ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ናይ እኩያት መናፍስቲ ክወድቕ ይኽእል ኢዩ። የሱስውን ባዕሉ ኣብቲ ድያብሎስ ንሕጊ ኣምላኽ ምእንቲ ከፍርስ ኢሉ ዝፈተነሉ ግዜ ንድምጺ ድያብሎስ ከም ዝሰምዐ ዘክር። (ማቴዎስ 4:​8, 9) ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽውን ከምኡ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ በጺሑዎም ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ጽሑፉ ከምዚ ይብል:- “እቲ ቕልስና . . . ምስ መናፍስቲ እከይ ኣብ ሰማያት እዩ።” እዚ ማለት ድማ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዘበለ ዅሉ ‘ምቅዋም ምእንቲ ክኽእል ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ከልዕል’ ይግብኦ።​—⁠ኤፌሶን 6:​11–13

መጥቃዕቲ ናይ እኩያት መናፍስቲ ምቅዋም

17. ሓደ “ድምጺ” ካብ ናይ መንፍስቲ ዓለም እንተ ተዛረበካ እንታይ ክትገብር ኢዩ ዘሎካ፧

17 ካብ ናይ መናፍስቲ ዓለም ዝመጸ “ድምጺ” እንተ ዝዛረበካስ እንታይ ምገበርካ፧ እቲ “ድምጺ” ድማ ናይ ሓደ ዝሞተ ዘመድካ ወይ ሰናይ መንፈስ እንተ ዘምስልከ፧ እቲ “ሓለቓ ኣጋንንቲ” ምስ ተዛረቦስ የሱስ እንታይ ገበረ፧ (ማቴዎስ 9:​34) “ኪድ ርሓቕ ሰይጣን” ኢዩ ዝበሎ። (ማቴዎስ 4:​10) ንስኻውን ከምኡ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ከምኡውን ረድኤት ምእንቲ ክህበካ ንየሆዋ ክትጽውዕ ትኽእል። ስሙ እናጸዋዕካ ዓው ኢልካ ጸሊ። ኣምላኽ ካብቶም እኩያት መናፍስቲ ዝሓየለ ከም ዝዀነ ዘክር። ነዚ ናይ ጥበብ መገዲ እዚ ስዓብ። ነቲ ካብ ናይ መናፍስቲ ዓለም ዝመጽእ ከምዚ ዝበለ ድምጽታት ኣይትስምዓዮ። (ምሳሌ 18:​10፣ ያእቆብ 4:​7) እዚ ክብሃል ከሎ ግን ኵሉ እቲ ዝስማዕ “ድምጺ” ናይ ኣጋንንቲ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ ሰብ ብምኽንያት ሕማም ናይ ኣእምሮን ኣካልን ከምኡ ዝኣመሰለ ድምጺ ክሰምዕ ይኽእል ኢዩ።

18. ሓደ ሰብ ካብ ሓተታ መናፍስቲ ሓራ ክወጽእ እንተ ደልዩስ: ከመይ ዝበለ ኣብነት ናይቶም ቀዳሞት ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት እንተ ሰዓበ ኢዩ ሰናይ ዝኸውን፧

18 ምናልባሽ ሓደ ግዜ ኣብቲ ልምዲ ናይ ሓተታ መናፍስቲ ትካፈል ኔርካ: ሕጂ ግን ሓራ ክትከውን ትደሊ ትኸውን። እንታይ ኢኻ ክትገብር እትኽእል፧ ኣብነት ናይቶም ኣብ ኤፈሶን ዝነበሩ ቀዳሞት ክርስትያናት ርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘዘንትዎ: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሰበኸሎም “ቃል [የሆዋ ትሓዓ ]” ምስ ተቐበልዎ “ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ።” ዋጋኡ ተጸብጺቡ ኸኣ: 50, 000 ድሪም ኰይኑ ተረኽበ! (ግብሪ ሃዋርያት 19:​19, 20) ንስኻውን ገለ ብቐጥታ ምስ ሓተታ መናፍስቲ እተተሓሓዘ ኣቑሑ እንተደኣ ኣልዩካ ዋግኡ ክቡር እኳ እንተዀነ: ከምቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝገበርዎ ፈጺምካ ከተጥፍኦ ዝሓሸ ኢዩ።

19. (ሀ) ዝበዝሑ ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ዝሳተፉ ሰባት ዘይፈልጥዎ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ተሓጒስና ክንነብር ንደሊ እንተደኣ ኴንና እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግብኣና፧

19 ሎሚ ኣብዚ ዘደንጹን ምስጢራውን ዝዀነ ተግባር ብዙሕ ተገዳስነት ስለ ዘሎስ: ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዙሓት ሰባት ናብ ሓተታ መናፍስቲ ይኣትዉ ኣለዉ። መብዝሕትኦም ግን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ናይ እኩያት መናፍስቲ ይወድቁ ከም ዘለዉ ኣይፈልጡን ኢዮም። እዚ ነገርዚ ንመሕለፍ ግዜ ኢልካ ዝግበር ኣይኰነን። እኩያት መናፍስቲ ንኸሳቕዩን ንኽጐድኡን ሓይሊ ኣለዎም። ጨካናት ከኣ ኢዮም። ክርስቶስ ንዘለኣለም ከየጥፍኦም ከሎ ድማ እንሆ ንሰባት ኣብ ትሕቲ እቲ እኩይ ሓይሎም ንኸእትዉዎም ብዝከኣሎም መጠን ይጽዕሩ ኢዮም ዘለዉ። (ማቴዎስ 8:​28, 29) ስለዚ እምበኣር እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ምስ ጠፍአ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ተሓጒስካ ክትነብር ትደሊ እንተደኣ ኴንካስ: ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ናይ ሓተታ መናፍስቲ ብምርሓቕ ካብ ምልኪ ኣጋንንቲ ሓራ ምዃን የድልየካ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 91 ዘሎ ስእሊ]

እታ ኣብ ዔን–ዶር ዝነበረት ጠንቋሊት ምስ መን ኢያ ርክብ ዝገበረት፧

[ኣብ ገጽ 92, 93 ዘሎ ስእልታት]

እቶም ደቂ ኣምላኽ ዝዀኑ መል​ኣኽቲ ንኣዋልድ ሰብ ርኣይወን

[ኣብ ገጽ 94 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ስጋ ለበስ ዝነበሩ መልኣኽቲ ብማይ ኣይጠፍኡን። ስጋዊ ኣካሎም ገዲፎም ናብ ሰማይ ተመልሱ

[ኣብ ገጽ 97 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ‘ካብ ኵሉ ዓይነት ጥንቍልና ርሓቑ’ ኢሉ ኢዩ ዘጠንቅቐና

[ኣብ ገጽ 98 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ኣብ ኤፌሶን ናብ ክርስትና ዝመጹ ሰባት ነቲ ናይ ጥንቍልና መጻሕፍቶም ኣንደድዎ ​—⁠በዚ ንዓና ጽቡቕ ኣብነት ኰኑና