የሱስ ክርስቶስ
የሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧
ግብ 4:12፣ 10:43፣ 2ቈረ 1:20፣ ፊል 2:9, 10
ምሳ 8:22, 23, 30, 31፣ ዮሃ 1:10፣ ራእ 3:14 እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ማቴ 16:13-17—ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ ክርስቶስን ወዲ ኣምላኽን ኢሉ ጸውዖ
-
ማቴ 17:1-9—የሱስ ኣብ ቅድሚ ሰለስተ ሃዋርያቱ ትርኢቱ ተለወጠ፣ የሆዋ ድማ ካብ ሰማይ ብዛዕባ ወዱ ተዛረበ
-
የሱስ ካብ ኵሎም ሰባት ፍሉይ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
ዮሃ 8:58፣ 14:9, 10፣ ቈሎ 1:15-17፣ 1ጴጥ 2:22
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ማቴ 21:1-9—የሱስ ብዓጀባ ናብ የሩሳሌም ኪኣቱ ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሓረዮ መሲሓዊ ንጉስ እተነግረ ትንቢት ተፈጸመ
-
እብ 7:26-28—ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ካብ ኵሎም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ብኸመይ ከም ዚፍለ ገለጸ
-
የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ብዛዕባኡን ብዛዕባ ኣቦኡን እንታይ ይምህረና፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ማቴ 4:23, 24—የሱስ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንትን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሕማምን ድናሰን ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣርኣየ
-
ማቴ 14:15-21—የሱስ ብሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ገይሩ ንኣሽሓት ሰባት ብተኣምራዊ መገዲ መገበ
-
ማቴ 17:24-27—የሱስ ንኣምልኾ የሆዋ ንምድጋፍን ንሰባት ንዘይምዕንቃፍን፡ ብተኣምራዊ መገዲ ገንዘብ ከም ዚርከብ ገበረ
-
ማር 1:40, 41—የሱስ ንሓደ ድዉይ ስለ ዝደንገጸሉ፡ ኣሕወዮ፣ እዚ ድማ ንሕሙማት ንምሕዋይ ልባዊ ድሌት ከም ዘለዎ የርኢ
-
ማር 4:36-41—የሱስ ንብርቱዕ ህቦብላ ኣህድአ፣ እዚ ኸኣ ኣቦኡ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ስልጣን ከም ዝሃቦ የርኢ
-
ዮሃ 11:11-15, 31-45—የሱስ ብሞት ዓርኩ ኣልኣዛር ነብዐ፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ ንኣልኣዛር ብምትንሳእ፡ ሞትን ሓዘንን ከም ዚጸልእ ኣርኣየ
-
ፍረ ነገር ትምህርቲ የሱስ እንታይ እዩ ነይሩ፧
ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዘርኣዮ ማራኺ ባህርያት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧ ገለ ኻብቲ ባህርያቱ እዚ ዚስዕብ እዩ፦
ርሕሩሕ፣ መሓሪ—ማር 5:25-34፣ ሉቃ 7:11-15
ተቐራቢ—ማቴ 13:2፣ ማር 10:13-16፣ ሉቃ 7:36-50
ተባዕ—ማቴ 4:2-11፣ ዮሃ 2:13-17፣ 18:1-6
ትሑት—ማቴ 11:29፣ 20:28፣ ዮሃ 13:1-5፣ ፊል 2:7, 8
እዙዝ—ሉቃ 2:40, 51, 52፣ እብ 5:8
ጥበበኛ—ማቴ 12:42፣ 13:54፣ ቈሎ 2:3
ፈቃር—ዮሃ 13:1፣ 14:31፣ 15:13፣ 1ዮሃ 3:16
የሱስ ህይወቱ ኣሕሊፉ ዝሃበ ስለምንታይ እዩ፧ ካብዚኸ ብኸመይ ንጥቀም፧
የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ነጊሱ ብምህላዉ እንሕጐስ ስለምንታይ ኢና፧
መዝ 72:12-14፣ ዳን 2:44፣ 7:13, 14፣ ራእ 12:9, 10
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
መዝ 45:2-7, 16, 17—እዛ መዝሙር እዚኣ፡ እቲ ኣምላኽ ዝሓረዮ ንጉስ ንዅሎም ጸላእቱ ኸም ዚስዕሮም፡ ብሓቅን ብትሕትናን ብጽድቅን ድማ ከም ዚገዝእ ትሕብር
-
ኢሳ 11:1-10—የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ምስ ጀመረ፡ ምድሪ ሰላም ዝሰፈና ገነት ክትከውን እያ
-
የሱስ ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ እዩ ኺገብር፧